Bezmaksas piegāde pasūtījumiem virs 29€

  • check 10+ miljoni grāmatu
  • check Jaunumi katru dienu
  • check Vairāk nekā 1 miljons klientu mums uzticas
  • check Labas cenas un atlaides
  • check Piegāde visā Eiropā

ሓራ ምዃን፣ ናጻ ምዃን! - Efrem Habtetsion

angļu valoda
2022-01-01
27,30 € 39,00 €

-30% ar kodu BOOKS

Piegādātāja noliktavā

Piegāde 10-16 darba dienu laikā

30 dienu atgriešanas politika

ብዙሕ እዋን ሓሲበሉ፣ እንተዀነ፡ ስለምንታይ ግጥሚ ከም ዝጽሕፍ ጌና ዓማሚ መልሲ የብለይን። ንተመኵሮይ ብዝምልከት፡ ከምቲ ዝለመድኩዎ ወይ ከምቲ ዝሰረጸኒ፡ ምስ ሓሳባት ምዕላል ስለ ዝብርሃኒ፡ ካብቲ ምስ ውሽጠይ ዘዕልሎ ካዕበት፡ ነቲ ቝንጣሮ እየ ኣብ ወረቐት ዘስፍሮ። ኣብ ውሽጠይ ለመም እናበለ ዝጓዓዝ ስምዒት ኰይኑ ንዝስምዓኒ እየ ኣብ ወረቐት ከስፍሮ ዝፍትን። እንተዀነ፡ እቲ ኣብ ውሽጠይ ዝፍጠርን እቲ ኣብ ወረቐት ዝሰፍርን ዝበዝሐ እዋን ምድራግ/ምምዕርራይ ይኣብየኒ። ዝበዝሕ ካብቲ ዝንውንው ጥዑም ዋሕዚ ሓሳባት'ሲ ኣብ ምፍልፋል እዩ ዝርከብ 'መስለኒ።ድሕሪ'ቲ ኣብ 2014 ዘሕተምኩዎ ሕሩይ ግጥሚታት ዝሓዘ መጽሓፍ "ሰብ ዲኻ?!"፡ ብዛዕባ ዝቕጽ ... Pilns apraksts

Jums varētu patikt arī

Aprašymas

ብዙሕ እዋን ሓሲበሉ፣ እንተዀነ፡ ስለምንታይ ግጥሚ ከም ዝጽሕፍ ጌና ዓማሚ መልሲ የብለይን። ንተመኵሮይ ብዝምልከት፡ ከምቲ ዝለመድኩዎ ወይ ከምቲ ዝሰረጸኒ፡ ምስ ሓሳባት ምዕላል ስለ ዝብርሃኒ፡ ካብቲ ምስ ውሽጠይ ዘዕልሎ ካዕበት፡ ነቲ ቝንጣሮ እየ ኣብ ወረቐት ዘስፍሮ። ኣብ ውሽጠይ ለመም እናበለ ዝጓዓዝ ስምዒት ኰይኑ ንዝስምዓኒ እየ ኣብ ወረቐት ከስፍሮ ዝፍትን። እንተዀነ፡ እቲ ኣብ ውሽጠይ ዝፍጠርን እቲ ኣብ ወረቐት ዝሰፍርን ዝበዝሐ እዋን ምድራግ/ምምዕርራይ ይኣብየኒ። ዝበዝሕ ካብቲ ዝንውንው ጥዑም ዋሕዚ ሓሳባት'ሲ ኣብ ምፍልፋል እዩ ዝርከብ 'መስለኒ።


ድሕሪ'ቲ ኣብ 2014 ዘሕተምኩዎ ሕሩይ ግጥሚታት ዝሓዘ መጽሓፍ "ሰብ ዲኻ?!"፡ ብዛዕባ ዝቕጽል መጽሓፍ ዝሓቱኒ ግዱሳት ምስ በዝሑ፡ ኣቐዲሙ ዝመጽኣኒ ሓሳብ፡ ቀልጢፈ 'ከሕትም ድየ!' ዝብል'ዩ ነይሩ። ከሕትም እንተ ዀይነኸ ነቲ ካብ "ሰብ ዲኻ?!" ዘጽናሕኩዎ ግጥሚታት ኣኪበ ድየ ካልኣይ መጽሓፍ ግጥሚ ከስዕብ ወይስ ነቲ ዘይመላእኩዎ፡ ጀሚረ ዘወንዘፍኩዎ፡ ናይ ትርጉምን ልቂ-ጽሑፍን ስራሓት ኣጻፊፈ እየ ከሕትም ኣብ ዝብል ሓሳብ ውዱእ መልሲ ኣይነበረንን። ሓደኡ ክገብር ኣብ ዝወሰንኩሉ፡ ኣብ ቍርጽራጽ ወረቐት ዝተኣከበ ግጥሚታት ከም ዝነበረኒ ዝፈለጥኩ፡ ተፍትሽ ሰነዳተይ ምስ ኣካየድኩ እዩ። ስለዚ፡ ካልኣይ መጽሓፍ ግጥሚ ምድላው ዘይስገር ምዃኑ ተገንዚበ። ኣብ "ሰብ ዲኻ?!" ዘየርከበት - ኣጸቢቓ ስለ ዘይተሃንጸት - 'ጸበል ናቕፋ ንጸጉለይ' ኣብ ዝኽሪ 20 ሰነ 2015፡ መዓልቲ ሰማእታት*፡ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ምስ ቀረበት፣ ኣብ ዓመቱ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ኣጋጣሚ፡ 'ድምጺ ስቕታ!'፣ ኣብ 2018 'መቓልሕ'ዚ ቦታ!' ምስ ቀረባ፡ ምስቲ ዝነበረኒ ግጥሚታት ኣኪበ ከም ኣመለይ ንብጾተይ ኣርእየዮም። ኣብ መንጐ "ሰብ ዲኻ?!" ወ "ሓራ ምዃን፣ ናጻ ምዃን!" ዝጸሓፍኩዎ ውሑድ እዩ። ዘጽሕፈኒ ዝነበረ ኵነታትን ቦታን ስለ ዝተቐየረ'ዩ 'መስለኒ፡ ወይ'ውን ምናልባት ኣብቲ ዝሓለፈ ብብዝሒ ስለ ዝጸሓፍኩ ክኸውን ይኽእል፡ ምስቲ ዝነበረ ግጥሚታት ምቅላስ'የ መሪጸ፣ ተስፋ እገብር ምሕሳብ ስለ ዘጕደልኩ ከይከውን። ኣብቲ ቐዳማይ ተመኵሮይ፡ "ኩላ ግጥሚ ድያ! ልቢ-ወለድ ዘይትጽሕፍ!፧" ዝበሉኒ ሰባት ብዙሓት ነይሮም። ብኣንጻሩ፡ ግጥሚታት እናጠቐሱን ብቓሎም እናወጽኡን ብወኒ ዘዕለሉኒን ዝሓተቱኒን ብዙሓት እዮም። ግጥሚ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ሓያልን ነዊሕ ዝጸንሐን ሰረት ኣሎዎ - ብፍላይ ኣብቲ ኣፋዊ። ብቛንቋ ትግርኛ ክትገጥም'ምበኣር ቀሊል ብድሆ ኣይኰነን። ነቲ ዝጸንሐ ዝምልእ ክኾነልካ ስለ እትደሊ፡ እቲ ጕዕዞ ዝውድእ'ምበር ዝውዳእ ኣይከውንን።

Vairāk informācijas

Autors Efrem Habtetsion
Izdevējs Hdri Publishing
Izlaides gads 2022
Vāka tips Mīkstais vāks
EAN 9789994801770
Rakstiet savu atsauksmi
Jūs vērtējat: ሓራ ምዃን፣ ናጻ ምዃን!
Jūsu novērtējums:

Goodreads atsauksmes

27,30 € 39,00 €